- ምውዕዋዕ። ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓት ብዘይ ምቁራጽ ብመልክዕ ፖስተር ኮነ ተንቀሳቀሲ ስእሊ እትሸጦም ንብረት ኮነ እትህቦም ኣጎልጉል ምሕባር ንሰዓብትካ።
- ናይ ኢንተርነት ዱካን።ንኣብ ርሕቅ ዝበለ ዝነብሩ ወይ ከኣ ጊዜ እሓጽሮም ብ ኢንተርነት ከም ዝዕድጉ ብምግባር። ተወሳኺ ኣታዊ ክኣ ይህልወና።
- ብሉጽን ጽፉፍን ኣጎልጉሎት ምስ ዝህልወና ዓማዊልና ንምሓዝን ንካለኦት ዓማዚል ሒዞሙልና ይመጹ።
- ነዓማዊልና ምውንዋን።ስሕት ኢልና ናይ ምጉዳል ዋጋ ነዓማዊልና ምስ ንገብረሎም እሞ ፣ ነቲ ዋጋ ዝቀነሰ ኢሎም መጺዮም ካልእ ንብረት ወይ ከኣ ኣጎልጉሎት ክዕድጉ ወይ ከኣ ክጥቀሙ ዓቡይ ተክእሎ ኣሎ
- ብሓባር ምስራሕ። ምስ ኣብ ከባቢ ዓማዊልካ ዝርከቡ ወይ ከኣ ብዓማዊልካ ዝፍለጡ ህቡባት ሰባት ሓቢርካ ምስራሕ ፣ ናብ ትካልካ ዓዲምካ ንብረትካ ወይ ከኣ ኣጎልጉሎትካ ከም ዝላልዩ ምግባር ወይ ከኣ ናብ ገዘኦም ብምልኣኽ ኣብ ዘሎውዎ ኮይኖምናብ ሰዓብቶም ከምዝሕብሩልካ ምግባር።